30 aprile 2017
Ecco il nuovo gruppo media: Daniel Sillas (presidente) Cometti Anna (vice presidente)... Tesfalem Araya (segretario) Million Cometti (tesoriere) Enrico Sebastiani (Brescia) Emanuele Yemane (Bologna) Dr. Tesfalidet Eyasu (Pescara) Lemlem Yared (Bari) Saba Misghina (Milano) Aida Eyob (Roma) Yodit Tekeste (Londra) Awet N'Hafash! Media Comunità Eritrea.it ዕዉት ጉባኤ ሜዲያን ዲፕሎማስን ኢጣልያ ኮሚተ ሜድያን ዲፕሎማስን ኢጣልያ ብዕለት 29/ሚያዝያ ክልተ ዓመታዊ ጉባኤኡ ኣብ ከተማ ቦሎኛ ኣቓኒዑ፣ኣብዚ ዕዉት ጉባኤ ኣብ ኩለን ከተማታት ኢጣልያ ዝርከቡ ኣባላት ሜድያ ኮሚተ ተረኺቦም ኣብ ዝሓለፈ 2 ዓመት ኩሉ ዘካየድዎ ንጥፈታት ናይ መድያን ዲፕሎማሲን ጸብጻብ ብምስማዕ ንዝተዓወትሉን ንዘጋጠሞም ጸገማትን ብደቕቕ ገምጊሞም: ናይ መጻኢ መደባቶ ሓንጺጾም: ንዝመጽእ ብዝልዓለ ብዝበለጸን ከም ዝነጥፋ ኣረጋጊጾም። ኣብዚ ጉባኤ ወከልቲ ቤት ጽሕፈት ኤምባስን ን/ሃገራዊ ሽማግለ ቦሎኛን ተረኺቦም ናይ ደገፍ መልእኽቲ ከቕርቡ ከለዉ: ሓላፊ ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ዶ/ር ሃይለ ዑቕባዝጊ መልእኽቲ ኣብ ክንዲ ኣምባሳደር ፍስሓጽዮን ናይ ምትብባዕን ሞጎስን ኣቕሪቡ።ሓላፊ ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ መድያን ዲፖማሲን ንዘካየድዎ ንጥፈታት ብምንኣድ: ብዝያዳ ንክሕይል ንመሳርሕታት ካብ ዉዳቤኤታት ዝተዋጽኤ ገንዘብ ኣረኪቡ። ኣብ መጨረሽታ ንዝመጽእ 2 ዓመት ንሃገራውያን ውድባት ኣብ ኢጣልያ ወኪላ ኣብ መድያን ዲፕሎማሲን እትነጥፍ ካብ ብዙሓት ጨናፍር ኢጣልያ ዝተዋጽአት 10 ኣባላት ዘለውዋ ሓዳስ ሽማግለ ተመሪጻ። ዓወት ንሓፋሽ!! ኮሚተ ሜዲያን ዲፕሎማስን ኢጣልያ MediaComunitaEritrea.it
0 Commenti
Lascia una risposta. |
Archivi
Gennaio 2021
![]() Quest'opera è distribuita con Licenza Creative Commons Attribuzione - Non commerciale - Condividi allo stesso modo 3.0 Italia. |